ቢሮ ሓላፊ መልእኽቲ
መንእሰይ ናይ ሓንቲ ሃገር መተካእታ ዘይርከበሉ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከምዝኾነ ግልፂ እዩ። መንእሰይ ኣካለዊን ኣእምሯዊ ዕቤት ዝረኣየሉ፣ ምርምርን ምህዞን ዝጅምረሉ፣ ንቐፃሊ ህይወቱ መሰረት ዝኾኖ ስብእናን መንነትን ዝህነፀሉ ወሳኒ ክሊ ዕድመ እዩ። ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ እዚ ናይ ለውጥ ሓይሊ ምህናፅ ትግራይ ምህናፅ እዩ እልና ብቱክረት እናሰራሕና ንርከብ። ኮይኑ ግና ድሕሪ ፅንተታዊ ኩናት ትግራይ መናእሰይ ብኣካል፣ ብስነ-ኣእምሮ፣ ብኢኮኖሚን ብማ/ዊን ስለዝተሃሰየ ተስፋ ቆሪፁ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይስደድ ኣሎ፣ ብዝተፈላለዩ ብሱሳት ይፅመድ ኣሎ፣ ንወለዱ ምውራድን ምቅታልን፣ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ግፍዓዊ ኣቀታትላ ዝበሉ ሓደገኛ ባህሪያዊ ለዉጢታት ‘ውን ይምዕብሉ ኣለው። ካብዚ ብተወሳኺ ስእነት ዕድል ስራሕ ፣ ሕፅረት ልቓሕ፣ መስረሒን መሸጥን ቦታ፣ መንበሪ፣ ስልጠና፣ ኣወዳድባ፣ ስእነት ሰናይ ምም/ር፣ ስደት፣ ትሑት ተሳትፎ መናእሰይ ወዘተ ዝበሉ ፀገማት ብሰፍሑ ኣሎ። ብካልእ መዳይ ተስፋ መፃኢት ትግራይ ዝኾኑ ብዝገጠሞም ፈተናታት ከይተሰኮኑ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሃፍተ ገነት ኣፅኒዖም ናብ ስራሕ ተዋፊሮም ኣብ ሓፂር ግዘ ዝተለወጡ መናእሰያት ኣለዉና።
ስለዝኾነ ቢሮ ጉዳይ መናአሰይ እውን መንእሰይ ትግራይ ካብቲ ኣጋጥሙዎ ዘሎ ፀገም ተናጊፉ ተጠቃማይ ክኾውን ዝሕግዙ ትልምታትን ፕሮግራማትን ሕዙ ምስ መዳርግት ኣካላት ብምትሕብባር እናሰራሕና ንርከብ። በዚ መሰረት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመት ውሽጥ ልዕሊ 311 ሺሕ መናእሰይ ቋሚን ግዚያዊን ስራሕ ተፈጥሩሉ፣ ንልዕሊ 1.1 ሚሊየን መናእሰይ ግንዛበ መዕበይ ስልጠናታት ተዋህቡ፣ ልዕል 1,16 ሚሊየን መናእሰይ ኣብ ሰናይ ተበግሶ ወፍሪ ተሳትፉ ከባቢ 1.67 ሚሊየን ማሕበረሰብ ተጠቃሚ ምግባር ተካእሉ እዩ።
ኣብ መናእሰይ ኣጋጥሙ ዘሎ ውስብስብ ዝበለ ፀገም ብልማዳዊ አሰራርሓ ጥራሕ ስለዘይፍታሕ ኩሉ ዘሳተፈ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ‘ናይ መናእሰይ ዕቤት ፍኖተ ካርታ’ (Youth Development Road Map) ተቐርፁ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ መዳርግቲ ኣካላት ዝተዋደደን ዝተናበበን መስርሕ (Coordination Mechanism) ተዘርግሑ ብሓላፍነት ክስራሕን ኣብ ሓፅር ግዘ ረኡይ ለውጥ ንምምፃእ እናሰራሕና ንርከብ።